ብዛዕባና
ኣድራሻና
ገዛ »
ሰሉስ 07, መስከረም 2010
ዓምዲ
ዜና
ቅዋም መንግስቲ
ፕሮግራም ሬድዮ
ጋዜጣ መቓልሕ
ፕሮግራም ቴሌቭዥን
ግብረ መልሲ
ጠቐምቲ ሊንክስ
ፎቶ ጋለሪ
ፎቶ መፅሄት
ሪኢቶ
/Feedback/
ኢ-ፎርማት
/EFORMAT/
ኣብ ቀረባ ግዜ
ጨረታ
ክፍቲ መደብ ስራሕ
ብቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ እናተዳለወ ዝቐርብ ቅዋም ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ
ሃፍቲ ተፈጥሮና ብምሕብሓብ ተጠቃምነት ልምዓትና ነሐይል!
ዘላቒ ልምዓትን ውሕስና ምግቢን ብደረጃ ስድራ ቤት ንምርግጋፅ ኢሉ΄ውን ዕብየት ልምዓት ሕርሻና ዘተኣማምን መሰረት ንምንፃፍ በቢኸባቢኡ ዝተረኸቡ ብሉፃትን ምሩፃትን ተሞክሮታት ናብ ካልኦት ከባቢታት ክሰፍሑ ብምግባር መላእ ሓረስታይ ህዝብና ልምዓት ሃፍቲ ተፈጥሮና መሰረት ዝገበረ ዝተዋደደ ስራሕቲ ሕርሻ ብስፍሓት ኣጠናኺሩ ንክቕፅለሉ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ልዑል ቆላሕታ ሂቡ ዛጊድ ብዝገበሮም ፃዕርን ምንቅስቓሳትን ተጠቃምነት ሕብረተሰብ ዘረጋግፁ ዘይናዓቑ ለውጥታትን ውፅኢታትን ተመዝጊቦምን እናተመዝገቡን ይርከቡ፡፡
ልምዓት ሃፍቲ ተፈጥሮና ብዘላቕነት ንምርግጋፅ ዝተዋደደ ስራሕቲ ልምዓት ተፋሰስ ብምስላጥ ዝበረሱ ኣግራባትን ከባቢታትን ብምሕዋይን ብምልዋጥን ቅልጡፍ ልምዓት ክረጋገፅ ብምግባር ናይ ገጠር ስራሕቲ ልምዓትና ናብ ዝለዓለ ዝላ ልምዓት ንምስግጋር ብምዕላም ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ንምሕዋይን ምክንኻንን ሃፍቲ ተፈጥሮ ዓብይ ቆላሕታ ሂቡ ሰፋሕቲ ምንቅስቓሳት እናገበረ እዩ፡፡ እዚ ክዕወት ዝኽእል ድማ በብ ከባቢኡ ሰፊሕ ተሳትፎ ሕብረተሰብ እንትረጋገፅ ጥራሕ እዩ፡፡ ሕብረተሰብ እውን ነዚ ተገንዚቡ ንተግባራዊነት እዚ መደብ ትኹረት ሂቡ እቲ ጀሚሩዎ ዘሎ ፃዕሪ ብስፍሓት ክቕፅለሉ ይግባእ፡፡
ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዝበረሱ ኣግራባትና ናብ ንቡር ንምምላስን ኩሎም ጎቦታትና ክጥጥዑን ፍርያት ሕርሻና ክድንፍዕን ዓሊሙ ብፍላይ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ሰለስተ ዓመታት ብስፍሓት ናይ ዝጀመሮ ወፍሪ ተኸላ ፈልሲ መቐፀልታ ሎሚ ዘበን΄ውን ኣስታት 790 ሚልዮን ዝተፈላለዩ ዓይነት ፈልስታት ፈሊሶም ኣብዚ ሕዚ እዋን ብሰፊሕ ተሳትፎ ህዝብን ሓይልታት ልምዓትን ኣብ መላእ ትግራይ ውዕውዕ ወፈሪ ስራሕቲ ተኸላ ይካየድ ኣሎ፡፡ እዚ ናይ ክረምታዊ ሰፊሕ ወፍሪ ኣብ ልምዓት መስኖ፣ ኣብ ምልዋጥ ንቡር ከባቢያዊ ኩነታት ፣ ኣብ ምድንፋዕ ውፅኢት ሃፍቲ እንስሳ ርኡይ ግደ ክህልዎ ቀፃሊ ክትትልን ፃዕርን ይሓትት፡፡
ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ እቲ ዝካየድ ዘሎ ሰፊሕ ሃፍቲ ተፈጥሮ ናይ ምሕዋይን ምክንኻንን ስራሕቲ ንናይቲ ከባቢ ህዝቢ ቁጠባዊ ዓቕሚ ዘዕቢ ክኸውን ንምግባር መምስ እቲ ከባቢ ዝኸዱ ቴክኖሎጂታትን ፓኬጃትን ብምድላው ንተግባራዊነቱ እናተረባረበ ይርከብ፡፡ ሕብረተሰብ እውን ተኽሊ ኣብ ዝተተኸሎም ከባቢታት ዝርከቡ ጎቦታት ካብ ስራሕቲ ሕርሻ ናፃ ብምግባር፣ ኣብቲ ቦታ ሰፊሕ ስራሕቲ ዕቀባ ሓመድን ማይን ብምክያድ ንእንስሳት ምግብነት ዝውዕሉ ዝተፈላለዩ ዓይነት ሳዕርታትን ተኽልታትን ብምትካልን ብምሕብሓብን ንቁጠባዊ ረብሕኡ ከውዕሎ ኣብ ጎኒ መንግስቲ ኾይኑ ይገብሮ ዘሎ ሰፊሕ ፃዕሪ ክጠናኸር ይግባእ፡፡
ብሓፈሽኡ ንስራሕቲ ምሕዋይ ሃፍቲ ተፈጥሮ ህዝቢ ፣ መንግስታዊን ዘይመንግስታዊን ኣካላትን ማሕበራት ሓፋሽን ልዑል ቆላሕታ ብምሃብ ካብ ማንም ግዘ ንላዕሊ ዝተዋደደ ፃዕሪ ዝገብሩሉ ኣብዚ እዋን እዚ ሓያሎ ርብርብ ብምግባር ሃፍቲ ተፈጥሮና ኣብ ቁልጡፍ ለውጢ ቁጠባና ርኡይ ኣስተዋፅኦ ክህልዎ ዘይተሓለለ ፃዕሪ ምግባር ናይዚ እዋን΄ዚ እዋናዊ ርብርብ ክኾን ይግባእ፡፡
ሓምለ 23, 2010
ካልኦት መግለፂታት
መስከረም 03, 2010
ቀደሞት ወለድናን ኣያታትናን ዝወደቅሉ ዕላማ ኣብ ሽትኡ ንምብፃሕ ኩሉ ይረባረብ !
ንምሉእ ትሕዝቶ ...
ነሓሰ 20, 2010
ባህልና ታሪክናን ብምዕቃብ ንኣሳልጦ ልምዓት ነውዕሎ!
ንምሉእ ትሕዝቶ ...
ነሓሰ 03, 2010
ዝናብ ክረምቲ ብኣግባቡ ብምጥቃም ናብ ረብሓና ነውዕሎ!
ንምሉእ ትሕዝቶ ...
ሓምለ 02, 2010
ማእቶት ሕርሻና ብምድንፋዕ ቁጠባዊ ዓቕምና ነጎልብት!
ንምሉእ ትሕዝቶ ...
© መሰሉ ብሕጊ ዝተሓለወ እዩ
መስከረም 2010. ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ
Click here to contact
Web Master
Free web analytics, website statistics