ብዛዕባና
ኣድራሻና
ገዛ »
ሰሉስ 07, መስከረም 2010
ዓምዲ
ዜና
ቅዋም መንግስቲ
ፕሮግራም ሬድዮ
ጋዜጣ መቓልሕ
ፕሮግራም ቴሌቭዥን
ግብረ መልሲ
ጠቐምቲ ሊንክስ
ፎቶ ጋለሪ
ፎቶ መፅሄት
ሪኢቶ
/Feedback/
ኢ-ፎርማት
/EFORMAT/
ኣብ ቀረባ ግዜ
ጨረታ
ክፍቲ መደብ ስራሕ
ብቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ እናተዳለወ ዝቐርብ ቅዋም ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ
ማእቶት ሕርሻና ብምድንፋዕ ቁጠባዊ ዓቕምና ነጎልብት!
ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ መፍረያይነት መሬት ብምዕባይ ስራሕቲ ልምዓት ሕርሻ ናብ ዝለዓለ ብርኪ ብምስግጋር ዘተኣማምን ልምዓትን ውሕስና ምግቢ ብዘላቕነትን ቐፃልነትን ንምርግጋፅ ዘኽእሉ ሰፋሕቲ መደባት ሓንፂፁ ንተግባራዊነቱ ምስ መላእ ሕብረተሰብን ኩሎም ሓይልታት ልምዓትን እናተረባረበ ይርከብ፡፡ ዛጊድ ብዝገበሮም ሰፋሕቲ ፃዕርታትን ርብርብን ኣብ ዝሓለፉ ተከታተልቲ ሸውዓተ ዓመታት ውፅኢት ፍርያት ሕርሻ በብ ዓመቱ ልዕሊ10 ሚኢታዊ ቁጠባዊ ዕብየት ክምዝገብ ኪኢሉ እዩ፡፡ በዚ̉ ውን በብ ደረጅኡ ዝርከብ ህዝቢ ብቀጥታ ተጠቃሚ ልምዓት ክኸውን ኣኽኢሉዎ እዩ፡፡
ኣብዚ ዓመት እዚ ዕብየት ልምዓት ሕርሻና ኣብ ዘተኣማምን መሰረት ንምንፃፍ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ካብ ማንም ግዘ ንላዕሊ ምስ ኩሎም ሓይልታት ልምዓት ስጡም ምትእስሳርን ምውዳድን ብምፍጣር መፍረያይነት መሬት ክብ ብምባል ኣብ ዘበነ ምህርቲ 2002/2003 ውፅኢት ፍርያት ሕርሻ ካብ 19 .4 ሚልዮን ኩንታል ናብ 36 ሚልዮን ኩንታን ምህርቲ ብዕፅፊ ንምዕባይ ዘኽእሎ ትልሚ ሓንፂፁ ንተግባራዊነቱ ሰፊሕ ፃዕርን ምንቅስቓስን እናገበረ ይርከብ ፡፡
ተታሒዙ ዘሎ ክልላዊ ትልሚ ንምዕዋት ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ምስ ህዝቢ፣ ሰብ ሞያ ሕርሻ ፣ ኣካላት ምምሕዳርን ምስ ኩሎም ብቐጥታት ተዘዋዋሪን ዝምልከቶም ኣካላት ብምርድዳእ ንምስሳን ምህርቲ ዝያዳ ኣበርክቶ ዘለዎም እታዎታት ቴክኖሎጂ፤ በቢ ከባቢኡ ዘሎ ስነ ምሕዳር መሬትን ብሉፃት ተሞክሮታትን መሰረት ብምግባር መፍረያይነት ሕርሻ ከደንፍዑ ዝኽእሉ ስራሕቲ ኣብዚ ወሳኒ ወቕቲ ክራማተ ብስፍሓት እናተሰርሑ እዮም፡፡ ብመሰረት እዚ ድልየት ሓረስታይ መሰረት ዝገበሩ ብመጠንን ፅርየትን ዝተረጋገፁ 200 ሽሕ ኩንታል ምሩፅ ዘርኢ፣800 ሽሕ ኩንታል ዘመናዊ ድኩዒን ተዳልዩ እናተከፋፈለ ይርከብ፡፡ ብዘይካ እዚ ባዕሉ እቲ ሓረስታይ ኣብ ምህርቱ ለውጢ ከምፅኡ ዝኽእሉ ካብ እንስሳቱ ዝረኽቦ 30 ሚልዮን ኩንታል ባህላዊ ድኩዒን 13 ሚልዮን ኩንታል ኮምፖስትን ብምድላው እናተጠቐሙሉን ንኽጥቐሙሉ ተዳልዩን ይርከብ፡፡ ምስዚ ጎኒ ንጎኒ ጠሊ ዓቐብቲ ዝኾኑ ኩሎም ኣማራፂታት ብምጥቃም ኣብዚ ዘበነ ምህርቲ ክነመዝግቦ ዝደለ ዘሎ ብምግቢ ዓርስና ናይ ምኽኣል ሽቶ ንምዕዋት እቲ ርብርብ ይቕፅል ኣሎ፡፡
ስለዚ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ኣብ 2002/2003 ዘመነ ምህርቲ ብሰፊሕ ተሳትፎ ህዝብን ኣመራርሓ መንግስትን መፍረያይነት ሕርሻ ብዕፅፊ ክዓብይ ብምግባር ኣብ ሕ/ሰብ ቅልጡፍ ቁጠባዊ ለውጢ ብምምፃእ ውሕስና ምግቢ ብደረጃ ስድራቤት ንምርግጋፅ ሒዙዎ ዘሎ መደብ ምዕፃፍ ፍርያት ሕርሻ ዕውትን ውፅኢታዊን ንክኸውን ንሻምናይ ግዘ እቶት ምህርቲ ሕርሻ ክልልና ዝተዓፃፀፈን ንምግባር ልዑል ተጠቃማይነት ዘመናዊን ባህላዊን ድኩዒ፣ ምሩፅ ዘርኢን እታዎታት ቴክኖሎጂን ህርኩት ምንቅስቓስ ሓረስታይ ህዝብናን ይጠልብ፡፡
ከምኡ እውን በብደረጅኡ ዘለው ኣካላት ኣመራርሓ፣ ሰብ ሞያ ሕርሻን ኻልኦት ሓይልታት ልምዓትን ነቲ ሓረስታይ ኣብ ምምራሕ፣ምሕጋዝን ምጥንኻርን ዝገብሩዎ ደገፍን ክትትልን ዕዙዝ ግደ ስለዘለዎ ኣብ ጎኒ እቲ ሓረስታይ ህዝብናን መንግስትናን ብምዃን ተሳትፎኦም ንኸሐይሉ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ይፅውዕ፡፡
ሓምለ 02, 2010
ካልኦት መግለፂታት
መስከረም 03, 2010
ቀደሞት ወለድናን ኣያታትናን ዝወደቅሉ ዕላማ ኣብ ሽትኡ ንምብፃሕ ኩሉ ይረባረብ !
ንምሉእ ትሕዝቶ ...
ነሓሰ 20, 2010
ባህልና ታሪክናን ብምዕቃብ ንኣሳልጦ ልምዓት ነውዕሎ!
ንምሉእ ትሕዝቶ ...
ነሓሰ 03, 2010
ዝናብ ክረምቲ ብኣግባቡ ብምጥቃም ናብ ረብሓና ነውዕሎ!
ንምሉእ ትሕዝቶ ...
ሓምለ 23, 2010
ሃፍቲ ተፈጥሮና ብምሕብሓብ ተጠቃምነት ልምዓትና ነሐይል!
ንምሉእ ትሕዝቶ ...
© መሰሉ ብሕጊ ዝተሓለወ እዩ
መስከረም 2010. ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ
Click here to contact
Web Master
Free web analytics, website statistics