ዓምዲ |
ኣብ ቀረባ ግዜ |
|
|
ብቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ እናተዳለወ ዝቐርብ ቅዋም ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ
| |
ስሉጥ ምዕባለ ንምምዝጋብ ኣብ ምርግጋፅ ፅርየት ትምህርቲ ንረባረብ! Tuesday 07 February 2012
ሕርሻ ዝመርሖ ምዕባለ ኢንዳስትሪ ንምርግጋፅ፣ ስሉጥ ለውጥን ምዕባለን ንምስጓም፣ ብቴክኖሎጂ ዝተዓጠቐ፣መሃዚ ስራሕን ዓርሰ እምነት ዘለዎ ዜጋ ንምፍጣር ትምህርቲ እንኮን ኣማራፂ ዘይብሉ ቀንዲ መሳሪሒ እዩ፡፡ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ነዚ እምነት'ዚ ኣፅኒዑ ብምሓዝ ፅርየትን ብቕዓትን ትምህርቲ ንምርግጋፅ ዝሕግዙ ሓደሽቲ ኣሰራርሓታትን ኣወዳድባታትን ሓንፂፁ ኣብ ምንቅስቓስ ይርከብ፡፡
ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ልምዓትና ዝጠልቦ ኪኢላ ሓይሊ ሰብ ብምፍራይ ድኽነት ንምውጋድ ዓሊሙ ኣብ ትምህርቲ ዘሎ ስርዓት ኣመራርሓ ንምምሕያሽ፣ ስርዓት ትምህርቲ ምስ ጠቕላላ ስራሕቲ ልምዓትና ንምዝማድን ግልጋሎት ትምህርቲ ንምስፋሕን ከም ቐንዲ ተግባራት ሒዙ እናሰርሐ ፀኒሑ እዩ፡፡ ብፍላይ ካብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመት ንነዘ ፅርየት ትምህርቲ ንምምሕያሽ ዝተዳለው ፓኬጃት ኣብ ምትግባር ዝተረከቡ ተሞክሮታት ብምግምጋም ተጠናኪሩ ክቕፅል ምግባር ዓብይ ጠመተ ሂቡ እናሰርሐሉ ይርከብ ።
ንምሉእ ትሕዝትኡ ... | ሽቶ ምእተ-ዓመት ጥዕና ንምዕዋት ኩለመዳይ ፃዕሪ ይጠልብ
Thursday 02 February 2012
ኣብ ትልሚ 5 ዓመት ዕብየትን ስግግርን ሃገርና ክልልናን ኣብ ዘፈር ጥዕና ቐንዲ ጠመተ ዝሃበሎም ጉዳያት ምንካይ ሞት ህፃናትን ኣዴታትን ምምሕያሽ ጥዕና ኣዴታትን ኣብ ምግፋሕ ተላባድነትን ተመሓላለፍትን ሕማማት ዓቕምታትና ኣዋዲድና ክንሰርሐሎም ኣነፂ ሩዩ።
ነዚ ንምዕዋትውን ኣብ ኩሎም ጣብያቷት ገፀር ኣገዳሺ መሰረታዊ ግልጋሎት ጥዕና ሙሉእ ንሙሉእ ንምብፃሕ ዘኽእል ስትራተጂ ኤክስቴንሽን ጥዕና ተቐሪፁ ንምዕዋት ሽቶታት እዚ ስትራተጂ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስት ትግራይ ኣብነታዊ ስራሕቲ እንዳዓመመ ይርከብ።
ንምሉእ ትሕዝትኡ ... | | | ብሩህ መሰረት ዘንፅፉ ዓወታት ንምሕፋስ ኣብ ምሕዋይ ሃፍቲ ተፈጥሮ ንረባረብ! Tuesday 10 January 2012
ጉዕዞ ልምዓትና ድልዱልን ዘተኣምምንን መሰረት ንክሕዝ መፍረያይነት መሬት ብምዕባይ ስራሕቲ ሕርሻን ልምዓት ገጠርን ናብ ዝለዓለ ብርኪ ብምስግጋር ውሕስና ምግቢ ብዘላቕነት ንምርግጋፅ ዘኸእሉ ሰፋሕቲ መደባት ተሓንፂፁ ንተግባራዉነቱ ድማ ምስ መላእ ሕ/ሰብን ሓይልታት ልምዓትን ተንቀሳቒሶም ይርከቡ፡፡
ጉዕዞ ልምዓትና ዘተኣምምንን መሰረት ዝሕዝ ዝክእል፣ ኣብ ንምሕዋይን ክንክን ሃፍቲ ተፈጥሮን ዝለዓለ ጠመተ ሂብኻ ሰፋሕቲ ስራሕቲ እንተሰሪሕካ ምካኑ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ይኣምን፡፡ ብመሰረት̉ ዚ መንግስትን ህዝብን ትግራይ ንስራሕቲ ዕቀባ ሓመድን ማይን ማእኸሉ ዝገበረ ንምሕዋይን ክንክንን ሃፍቲ ተፈጥሮ ልዑል ትኩረት ብምሃብ ሰፋሕቲ ስራሕቲ ኣብ ምዕማም ይርከቡ፡፡
ንምሉእ ትሕዝትኡ ... | ጉልበት ሓረስታይ ማእከል ጌርና ብምስራሕ ኣብ ስራሕቲ ልምዓት መስኖ ኣፃዕፂዕና ንረባረብ! Wednesday 21 December 2011
ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ሰለስተ ዓመታት ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ንስራሕቲ ሃፍቲ ተፈጥሮ ፍሉይ ጠመተ ብምሃብ ዝሰራሕናዮም ሰራሕቲ ንልምዓት መስኖ መሰረት ኮይኑ ይርከብ። ናይ ተፈጥሮ ሃፍቲ ስራሕትና ብመልክዕ ህንፀት ልምዓታዊ ሰራዊት ዝተፈፀመ መደብ ብምዃኑ በዙሓት መሰረታዊ ረብሓታት ከረጋግፅልና ኪኢሉ እዩ። ተፈጥሮ ሃፍቲ ንልምዓት መስኖ ብምምጋብ ኣብ ከርሰ ምድርን ኣብ ገፅ-ምድርን ናይ ማይ ሃፍትና ክጉልብት ናይ መደበኛ መስኖን ደጋፊ መስኖን ስራሕትና ዕውት ኮይኑ ንክፍፀም ተወሳኺ ሃፍቲ ፈጢሩልናሎ።
ኣብ 2003 ዓ.ም ብደረጃ ክልል ልዕሊ 212 ሽሕ ሄ/ር መሬት ብመስኖ ንምልማዕ ትልሚ ተታሒዙ ናብ ተግባር ተኣትዩ እኳ እንተነበረ እዚ መደብ ልክዕ ከምቲ ናይ ሃፍቲ ተፈጥሮ መደብና ብመልክዕ ህንፀት ልምዓታዊ ሰራዊት ንምፍፃም ዝከድናዮ ርሕቀት ውሰንነት ዝነበሮ ብምዃኑ ዓመታዊ ክንበፅሖ ዝሓዝናዮ ሽፋን ኣይበፃሕናዮን። ናይዚ ምኽንያታትውን ኣብ መንጐ ደጉዓታትን ቆላታትን ከምኡውን በቢደረጅኡ ዝርከቡ ፈፀምቲ ሓይልታት ኣብ ምድላዋትና ዝተርኣዩ ሕፅረታት ከምኡውን ኩሉ ዓይነት ኣማራፂ ቴክኖሎጂን እታወታትን ክንጥቀም ኣለና ዝብል ሙሉእ ምርድዳእ ብዘይምፍጣሩ ዘጋጠመ ሕፅረት በቢደረጅኡዝርከብ ኣመራርሓ፣ በዓል-ሞያ፣ ከምኡውን ህዝቢ ግቡእ ትምህርቲ ወሲዱ ዝተማልአ ትልሚ ኣዳልዩ ተግባራዊ ስራሕቲ ተጀሚሩ ኣሎ።
ንምሉእ ትሕዝትኡ ... | | | 1
2
3
4
5
6
7
8
9
10
11
12
13
14
15
16
17
18
19
20
21
Next
|
|