ብዛዕባና    ኣድራሻና  
ገዛ »

ዓምዲ
 ዜና
 ቅዋም መንግስቲ
 ፕሮግራም ሬድዮ
 ጋዜጣ መቓልሕ
 ፕሮግራም ቴሌቭዥን
 ግብረ መልሲ
 ጠቐምቲ ሊንክስ
 ፎቶ ጋለሪ
 ፎቶ መፅሄት
 ሪኢቶ/Feedback/
 ናይ ቢሮታት ቅጥዕታት


ኣብ ቀረባ ግዜ
 ጨረታ
 ክፍቲ መደብ ስራሕ



ስሉጥ ምዕባለ ንምምዝጋብ ኣብ ምርግጋፅ ፅርየት ትምህርቲ ንረባረብ!

ሕርሻ ዝመርሖ ምዕባለ ኢንዳስትሪ ንምርግጋፅ፣ ስሉጥ ለውጥን ምዕባለን ንምስጓም፣ ብቴክኖሎጂ ዝተዓጠቐ፣መሃዚ ስራሕን ዓርሰ እምነት ዘለዎ ዜጋ ንምፍጣር ትምህርቲ እንኮን ኣማራፂ ዘይብሉ ቀንዲ መሳሪሒ እዩ፡፡ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ነዚ እምነት'ዚ ኣፅኒዑ ብምሓዝ ፅርየትን ብቕዓትን ትምህርቲ ንምርግጋፅ ዝሕግዙ ሓደሽቲ ኣሰራርሓታትን ኣወዳድባታትን ሓንፂፁ ኣብ ምንቅስቓስ ይርከብ፡፡

ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ልምዓትና ዝጠልቦ ኪኢላ ሓይሊ ሰብ ብምፍራይ ድኽነት ንምውጋድ ዓሊሙ ኣብ ትምህርቲ ዘሎ ስርዓት ኣመራርሓ ንምምሕያሽ፣ ስርዓት ትምህርቲ ምስ ጠቕላላ ስራሕቲ ልምዓትና ንምዝማድን ግልጋሎት ትምህርቲ ንምስፋሕን ከም ቐንዲ ተግባራት ሒዙ እናሰርሐ ፀኒሑ እዩ፡፡ ብፍላይ ካብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመት ንነዘ ፅርየት ትምህርቲ ንምምሕያሽ ዝተዳለው ፓኬጃት ኣብ ምትግባር ዝተረከቡ ተሞክሮታት ብምግምጋም ተጠናኪሩ ክቕፅል ምግባር ዓብይ ጠመተ ሂቡ እናሰርሐሉ ይርከብ ።

ንምሉእ ትሕዝትኡ ...

ጥሙር ቀላፅም ዝሓትት ክረምታዊ ወፍሪ         

ኣብ ወፃኢ ዝነብሩ ተጋሩ ኣብ መላእ ዓለም ንዝቕመጡ ተወለድትን ፈተውትን ትግራይ ኣብ ዝመፅእ ዘሎ እዋን ክረምቲ 2004/2012 ኣብ መዳይ ትምህርትን ተዛመድቲ ጉዳያትን ዘተኮረ ኣብ ትግራይ ኣብ ዝግበር ክረምታዊ ማእቶታውን ትምህርታውን ወፍሪ ተዋሳእቲ ንክኾኑ ፃውዒት ኣቕሪቦም ኣለዉ። ኣብ 2010 ኣ.ፈ ኣብ ዝተኻየደ ወፍሪ ካብ ዝተፈላለያ ናይ ኤውሮጳ ዩኒቨርስቲታት ናይ ላዕለዋይ ትምህርቶም ዝከታተሉ ዘለዉ ተጋሩን ካብ ዩኒቨርስቲ መቐለን ዝተውፃእፅኡ ተጋሩ ኣብ መቐለ ቤት ትምህርት ሃፀይ የውሃንስ ላዕለዋይ 2ይ ብርኪ ንተምሃሮ 12 ክፍሊ ተፈተንቲ ሃገራዊ ፈተና ናፃ ግልጋሎት ትምህርትን ምኽርን፣ ትምህርታዊ ዑደትን ምይይጥ መድረኽን ብዝለዓለ ብቕዓትን ተገዳስነትን ምክያዶምውን ይፍለጥ። መተሓባበሪ ኮሚቴ እቲ ወፍሪ ኣብ ዝቕፅል እዋን ትምህርቲ 2004/2012 ድማ መጠነ ሰፊሕ ዝኾነን ንልዕሊ ሓደ ወርሒ (ካብ ሓምለ 25-ጳጉሜን 2012) ዝፀንሕ ትልሚ ሓንፂፁ መተግበሪ ትልሚውን ኣውፂኡ ናብ ኩሎም ተወለድቲ ትግራይ ዘርጊሑ ኣሎ። ካብቶም ዝተተለሙ ፕሮግራማት ብኽፋል

ካብ መላእ ትግራይ (ቃላሚኖ ሓዊሱ) ንዝተውፃእፅኡ ተምሃሮ ተፈተንቲ ሃገራዊ ፈተና (ናይ 10ይን 12ተን ብሄራዊ ፈተና) ተምሃሮ ናይ ሓደ ወርሒ ፅዕፁዕ ሓገዝ ትምህርቲ ብናይ ተፈጥሮ ሳይንስ (ኬሚስትሪ፣ ሒሳብ፣ ፊዚክስ፣ ስነ-ህይወት ወ.ዘ.ተ) ከምኡውን ማሕበራዊ ሳይንስ (ኢኮኖሚክስ፣ ታሪኽ፣ ጂኦግራፊ፣ ቋንቋ ወ.ዘ.ተ) ናፃ ናይ ትምህርቲ ግልጋሎት ምሃብ።
ኣብ መወዳእታ እቲ ፕሮግራም እቶም ተምሃሮን ኣብቲ ክረምታዊ ወፍሪ ብቀጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ዝተሳተፉ ወገናትን ናብ ዝተፈላለዩ ትካላት ትምህርትን ቤተ ፈተናታትን፣ መፈልፈልቲ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ግድባት፣ ናይ ንፋስን ፀሓይን ሓይሊ፣ ፋብሪካታትን ወ.ዘ.ተ ትምህርታዊ ዑደት ምድላው
ኣብ ምኽንያት ፍልሰትን መፍትሒኡን ኣብ ሓይሊ ሰብ ክልልና ዘተኮረ መድረኽ ምይይጥ ምክያድን ካልኦትን ይርከብዎም።

ስለዚ ኣብ ወፃኢ ዝርከቡ ተጋሩን ፈተውቲ ህዝቢ ትግራይን ዓቕሚ ክልልና ንምዕባይ ብፍላይ ድማ ተረከብቲ ሕድሪ ዝኾኑ ዜጋታት ዓለምለኻዊ ፍልጠት ዓጢቖም ብኽእለት፣ ዓቕምን ኣተሓሳስባን ማዕቢሎም ኣብ ዓለምለኻዊ ዕዳጋ ተወዳደርቲ ክኾኑ ንምግባር ዘካይድዎ ዘለው ፃዕሪ ኣዝዩ ዝነኣድ ተግባርዩ።

ንድኽነትን ድሕረትን ስዒሩ ሱር-በቆስ ለውጢ ዘምፅእ ትምህርትን ትምህርትን ጥራሕ ምዃኑ ብምእማን ነቲ ዝካየድ ዘሎ ወፍሪ ፅሬት ትምህርቲ ናብ ዝለዓለ ብርኪ ብምስግጋር ናይ ፍልጠት ክእለትን ቴክኖሎጅን ሳይንስን ስግግር ብምፍጣር ኣብ ወፃኢ ብዝተፈላለዩ ዘፈራት ትምህርቲ ዘጥረይዎ ውህሉል፣ ሰፊሕ ዓቕምን ተሞክሮን ሃገሮም ብፍላይ ድማ ኣብ ረብሓ ክልሎም ንምውዓል ዝገብርዎ ዘለው ተበግሶን ተወፋይነትን ህዝብን መንግስትን ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዝለዓለ ናእድኡን ክብሩን ይገልፅ። ብፍላይ ምስዚ ሰናይ ተበግሶን ጭቡጥ ስራሕን መዳርግቲ ኣካላት ከም ቤት ፅሕፈት ዲያስፖራ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ፣ ቢሮ ትምህርቲ፣ ዩኒቨርስቲ መቐለ፣ ዩኒቨርስቲ ኣክሱም፣ ዩኒቨርስቲ ዓዲግራትን ካልኦት ላዕለዎት ውልቀ ትካላት ትምህርቲ እዚ ወፍሪዚ ኣካል ናይቲ ክልላዊ ልምዓትን ዕብየትን ስግግርን ምዃኑ ብምርዳእ እዚ ውህሉል ዓቕምን ተሞክሮን ዜጋታት ኣብ ክልልናን ሃገርናን ንኽተርፍን ክሰርፅን ምግባር ዕማም ኩሉ ትግራዋይን ይፅናሓለይ ዘይበሃልን ወድዓዊ ዋኒን ምዃኑ ተረዲእና ካባና ትፅቢት ዝግበር ዘፈር ግደና ክነወፊ ይግባእ። እዚ ድማ ህዝብን መንግስትን ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ኣገደስቲ ዝበሃሉ ቅድመ ኩነት ብምድላው እዚ ሰናይ ተበግሶኹም ብእወንታ ብምቕባል ካብ ህዝብን መንግስትን ትፅቢት ዝግበር ሓገዝ ኩሉ ከም ዘማልእ እናገለፅና ንዕውትነት እዚ ሰናይ ተበግሶኹምን ተግባርኩምን ንንእድ።

ንምሉእ ትሕዝትኡ ...


THE GRAND MILLENNIUM DAM OF ETHIOPIA


The Ethiopian Government Growth and Transformation Plan (GTP), includes quintupling the country’s hydro-electric power supply by raising the present capacity   to 10,000 MW in the coming five-year period.  The bulk of this five-fold increase is expected to enter the national grid from the great Nile dam whose construction is scheduled to commence presently at a project site near the Ethio-Sudan border.  From this dam alone, Ethiopia expects to generate 5,250 MW.  While the Dam’s chief advantage to Ethiopia is ensuring a dependable power supply, the project accrues vital benefits to downstream countries - Sudan and Egypt- as well.  The Dam will augment these countries’ access to clean power supply at a competitive import tariff.  In addition, Egypt and Sudan will benefit from the parallel advantages of the project in the form of decreased siltation in their irrigation dams, decline in the frequency of flooding and thereby in reduction of water-resource wastage.  

Read The Full Story ...

New Photo Gallery about Tigray Culture and Tourism!!!

ቅዋም ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ

ስሉጥ ምዕባለ ንምምዝጋብ ኣብ ምርግጋፅ ፅርየት ትምህርቲ ንረባረብ!
ንምሉእ ትሕዝቶ ...
ሽቶ ምእተ-ዓመት ጥዕና ንምዕዋት ኩለመዳይ ፃዕሪ ይጠልብ
ንምሉእ ትሕዝቶ ...

ፕሮግራም ሬድዮ

ጋዜጣ መቓልሕ

ፈነወ ፕሮግራም ሬድዮ ዕለት 27 05 2004  Play    Download

ተወሳኪ
ጋዜጣ መቓልሕ ሕታም ዕለት  30 05 2004  

ተወሳኪ

ግብረ መልሲ

ጥሙር ቀላፅም ዝሓትት ክረምታዊ ወፍሪ
ንምሉእ ትሕዝቶ ...
መርኣያ መሪሕነት ዘጉልህ ሰናይ ተግባር
ንምሉእ ትሕዝቶ ...