ብዛዕባና
ኣድራሻና
ገዛ »
ሰሉስ 07, መስከረም 2010
ዓምዲ
ዜና
ቅዋም መንግስቲ
ፕሮግራም ሬድዮ
ጋዜጣ መቓልሕ
ፕሮግራም ቴሌቭዥን
ግብረ መልሲ
ጠቐምቲ ሊንክስ
ፎቶ ጋለሪ
ፎቶ መፅሄት
ሪኢቶ
/Feedback/
ኢ-ፎርማት
/EFORMAT/
ኣብ ቀረባ ግዜ
ጨረታ
ክፍቲ መደብ ስራሕ
ግብረ መልሲ
ዓወትን ድምቀትን ንጉዕዞ 20 ዓመት ማሕበር ልምዓት ትግራይ
ማ.ል.ት. ኣብ ጉዕዞ 20 ዓመት ልምዓታዊ ቃልሲ ዝተመዝገቡ ዓበይቲ ዓወታት፣ዝነበሩ ጥንኩርን ድኹምን ጎኒታትን ዘጋጠሙ ፀገማትን ዝተወሰደ መፍትሕን ብምንፃር ኣብ ኩለመዳያዊ ልምዓት ክልልና ኣብ ምስላጥ እዚ ዝግበር ዘሎ ሓዱሽ ውዳበ ልምዓታዊ ማዕበል ዝዓዘዘ ግደ ከም ዘለዎ ንኹሉ ትግራዋይን ፈታዊ ህዝብን ልምዓት ትግራይን ጋህዲ እዩ።
ብፍላይ ኣብ ህንፀትን ምምላእ ውሽጣዊ ናውትን ኣብያተ ትምህርትን ጥዕናን፣መስተማይ፣ መንገዲ፣መሰልጠኒ ሞያን ቴክኒክን፣ናይ ህዝቢ ቤተ መፃሕፍቲ ፣ኣብ ምጥንዃር Mekelle Institution of Technologyመተካእታ ዘይብሉ እጃም ተፃዊታ እያ።ፖለቲካዊ ወገናዊነት በዘየገድስ ኩሉ ትግራዋይ ኣብ ትሕቲ ፅላል ማሕበር ልምዓት ትግራይ ዓሲሉ ዛጊድ ብዝፈፀሞም ልምዓታዊ ዕማማትን ኣብ ከይዲ ብዘለዉ ዘይተፈፀሙ ዓበይቲ ልምዓታዊ ስራሕትን ‘ያዒስ ልምዓታዊ ማዕበል፣ዝዘራኣኻዮ ምዕፃድ ዘብል’’ሓቦ ዝሰነቐ፣ሓበራዊ ሃገራዊ ኣረዳድኣ ዝፈጠረ ዓብይ መድረኽ ስለዝኾነ ህዝብን መንግስትን ብሄራዊ ክልላዊ ትግራይ ዝተሰመዖም ልባዊ ሓጎስን ናእዳን ብኽብሪ ይገልፁ።
ትግራይ ብደቂ ዓዲን ብፈተውቲ ልምዓት ትግራይን ለሚዓ ምርኣይ ማለት ፤ዝለዓለ ክብርን ዋጋን ኣለዎ ። ምክንየቱ ህዝቢ ትግራይ ተመሓይሹ ምርኣይ ማለት እዩ። ካብዚ ሓሊፉ እውን ሕድሕድ ኣባል ማሕበር ልምዓት ትግራይ ዕላማኡ ተግባራዊ ኮይኑ ኣሎ ማለት እዩ።እዚ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ኣብ መቐለ፣ ኣዲስ ኣበባ፣ ዋሽንግተን፣ ፍራንክፈርትን ማእከላይ ምብራቕን ብዓብይ ፅምብል ንክባዓል ተተሊሙ ዘሎ ልምዓታዊ ማዕበል ኣብ ኩሎም ኩርናዓት ዓለምና ዘለኹም ኣባላት ማ.ል.ት. ወፃእን ውሽጢ ዓድን ፈተውቲ ህዝብ ትግራይን ልምዓት ትግራይን ብሓዱሽ ወነን ሕራነን ተላዓዒልኩም ዜግነታዊ ግቡእኹም ብምውፃእ ህዝቢ ትግራይ ናብ ዝሓሸን ዝማዕበለን ናብራ ንምስግጋር እትገብሩዎ ዘሎ ምሽብሻብ ንካልኦት ኣሓት ክልላዊ ማሕበራት ሃገርና ብሉፅ ተሞክሮ ስለዝኾነ ክልል ትግራይ ጥራሕ ዘይኮነስ ሃገር ከም ሃገር ዘንቀሳቕስ ልምዓታዊ ማዕበል እዩ። በዚ ድማ ህዝብን መንግስትን ብሄራዊ ክልላዊ ትግራይ ኣዚዮም ሕጉሳት እዮም
ኣብ መወዳእታ እዚ መበል 20 ዓመት ጉዕዞ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ፖለቲካዊ ኣፈላላይ በዘየገድስ ኩሉ ትግራዋይን ፈታዊ ህዝቢ ትግራይን ኣብ ትግራይ መሰረታዊ ለውጢ ልምዓት ብዘምፅእ ፣ስግግር ቴክኖሎጂ ብዘስፍሕ ፣ህዝብ ምስ ህዝብ ዝምድና ብዝፈጥር ፣ ኣብ ወፃኢ ዝተፈጠረ ዓቕሚ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ፀገም ፈታሒ ዝኾነሉ ፣ናይ ተሞክሮ ልውውጥ ብምግባር ናፃ ልማዓታዊ ኣገልግሎት ዝወሃበሉ ኣንፈታት ብምሕንፃፅ ሓርበኛታት ልምዓት እትኾንሉ ሰናይ ፅምብል በዓል 20 ዓመት ልደት ማ.ል.ት. ንኽኮነልኩም ንምነ።
ልምዓት ዓዲ ብወዲ ዓዲ‼
ቢሮ ሓበሬታ ክልል ትግራይ
ነሓሰ 06/ 2009
ግብረ መልሲ
© መሰሉ ብሕጊ ዝተሓለወ እዩ
መስከረም 2010. ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ
Click here to contact
Web Master
Free web analytics, website statistics